|
መምልኢ ቅጥዒ ንተሳተፍቲ 2ይ ዓለም ለኸ ፊሴቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ 2011
መለእ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ልምዓት ክልልኩም ብሙሉእ ድሌትን ዓቕምን ኣብ ምብራኽ ትግራይ ግቡእ ተሳትፎኹም ከምእተረጋግፁ ከምኡ ዉን ልምዓት ክልልና ንረብሓ ዲያስፖራ ተጋሩ ሒዙ ክስጉም፣ ልምዓትና ነዊሕ ርሕቐት ክጓዓዝ ከምዝኽእል መንግስትኹም ብፅኑዕ ይኣምን፡፡ ዲያስፖራ ተጋሩ ምስ መንግስትኹም ብምዃን ኣብ ጉዳይ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ውሑስ ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ዘለዉ ብድሆታት እዉን ሓድነትኹም ብምስጣም ክትቓለሱ መነባብሮ ህዝብኹም ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምስግጋር ዘኽእሉ ዉሳነታት ንምትሕልላፍ ቖፆሮና 2ይ ዓለም ለኸ ፌስቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ ይኹን፡፡ ዲያስፖራ ተጋሩን ፈተዉቲ ትግራይን ትማሊ ኣብ ዕጥቓዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መስተንክር ዝሰርሐ ሓቦን ተወፋይነትኩም ሎሚ እውን ትግራይ የድልያ፤ ትግራይ ትፅወዐኩም ኣላ ሞ ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓትን ሰላምን ህዝብኹም ዓቕምታትኹም ብምውዳድ ንትግራይ ኣለናልኪ ንበላ፡፡ ንደሃይ ትግራይ እወንታዊ ምላሽ ብምሃብ ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ዲያስፖራ ተጋሩን ፈተዉቲ ትግራይን ኣብዚ ዝሳለጥ ፌስቲቫል ከምተሳተፉ መንግስትኹም ንፃት እውን ኣይጠራጠርን፡፡ ብምኻኑ ድማ ንሓፈሻዊ ምድላዋትን መርሃ¬‐ግብርን እቲ ፌስቲቫል ዝሕግዝ እዚ ስዒቡ ዘሎ ቕጥዒ ብምምላእ ክትምዝገቡ ብትሕትና ንላቦ። ንዝበለፀ
ሓበሬታ
|